ብሰንኪ ዋሕዲ ዝናብ ንጥምየት ተፀባይነትን ተቃሊዕና ይብሉ ገለ ሓረስቶት ኢትዮጵያ

ዝናብ ኣብ እዋኑ ብዘይምምፅኡን ኣብ ገለ ከባቢታት'ውን ፈፂሙ ብምጥፍኡን ንጥምየትን ተፀባይነትን ተቃሊዕና'ለና ክብሉ አብ ኢትዮዕያ ዞባ ምዕራብ አርሲ ወረዳ ሻላ ዝርከቡ ሓረስቶት ገሊፆም።

ካብቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገልፁ 4.5 ሚልዮን ህፁፅ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ዝተወሰኑ አብ ምዕራብ ዞባ አርሲ ዝርከቡ'ዮም።

እቶም ሓረስቶት ኣብቲ ዞባ ኣብ ወረዳ ሻላ ተዘዋዊሩ ንዝረአየ አቀባሊ ዜና ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ከዝበልዎ ናብዚ ፀገም ዘቃለዖም ሕፅረት ዝናብ ምኻኑ'ዮም ገሊፆም።

ሓደ ካብአቶም ኣቦ ቆልዑ ዝኾኑ አቶ መሓመድ ሑሴን መርካኖ ዋሕዲ ዝናብን ስእነት ድኹዓን ተደማሚሩ ብቀንዱ ገን ሕፅረት ዝናብ ነዚ ከምዘቃልዖም ይዛረቡ።

አብቲ ከባቢ ዝናብ ክጅምር ዝነበሮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምንባሩን ግን ሎሚ ዓመት ኣብ ግንቦት ከዝጀመረን እቲ ዝርካቡ'ውን ባልዕ በሊዖሞ ክትብል ዝተዛረበት ካልእ ነባሪት'ቲ ወርዳ ኸአ ካብ መጀመሪኡ'ውን እኹል መሬት አይነበረናን ትብል።

በቲ ኩነታት ንዝትሃሰዩ ሰባት ከከም ብዝሒ ስድረኦም ሓገዝ ይወሃቦም ከም ዘሎን እዚ ክሳብ ምህርቲ ዘእትዉ ንሰለስተ ወርሒ ከም ዝቅፅል ኣብቲ ዞባ ወኪል ቤት-ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ድውነትን ጭልቱ ታደሰ ገሊፃ።