ዋሽንግተን —
ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተነቢሩ ዝጸንሐ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን፡ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ኣጽዲቑ። እቲ ኣዋጅ ንኽናዋሕ ንፓርላማ ዝሓተተ ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢሞቶዎስ ኣብቲ ክልል ንዝርአ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ንምቍጽጻር እቲ ኣዋጅ ምንዋሑ ወሳኒ ምዃኑ ቃል ሂቡ።
ምንዋሕ እቲ ህጹጽ ኣዋጅ ብዓብለሊ ድምጺ ክሓልፍ እንከሎ፡ ካብ ኣባላት ፓርላማ ክልተ ክቃወሙ እንከለዉ ሓደ ድማ ድምጺ ተዓቅቦ ገይሩ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ምንዋሕ እቲ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዋጅ ንዝያዳ ማእሰርቲ፡ ቅትለትን ሰብኣዊ ጥሕሰትን ዘቃልዕ’ዩ ክብሉ ስክፍታዎም የካፍሉ ኣለዉ። ካብ መንጎኦም ድማ ነቲ ሻቕሎቱ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ዘካፈለ ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ ይርከቦም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ተነቢሩ ብዝጸንሐ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን፡ ከከም እዋኑን ቦታኡን ሰዓታት እቶ-እቶ፣ ምትእጕጓል ንግዳዊ ነጥፈታትን ምቍራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስዒቡ ምህላዉ ነበርቲ ደጋጊሞም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ከም ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ’ውን ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብቲ ክልል ዓሰርተታት ሲቪላውያን ዜጋታት ተቐቲሎም’ዮም።