“ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጽራይ ወፈራ ኣየቋረጸን” ህዩማን ራይትስ ዎች

Your browser doesn’t support HTML5

“ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጽራይ ወፈራ ኣየቋረጸን” ህዩማን ራይትስ ዎች

ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ብፍሉይ ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ መጥሓስታት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ሎሚ ሓሙስ 1 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ’ውን እቲ “ዘርኢ ናይ ምጽራይ ወፈራ” (ethnic cleansing) ኢሉ ዝጸውዖ ተግባራት ይቕጽል ምህላዉ ሓቢሩ።

እቲ ተሓላቒ ትካል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፈጸምቲ ግፍዒ ዝግበኦም መቕጻዕቲ ክህብ ብምጽዋዕ፡ ነቶም ኣብቲ ተግባር ብፍሉይ ዝዋፈሩ ዘለዉ ኣዘዝቲን ኣማሓደርቲን ድማ ካብ መዝነቶም ኣልዩ ዝግበኦም ፍርዲ ክህቦም ጸዊዑ።

ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ፕሪቶሪያ’ውን ብሰራዊት ክልል ኣምሓራ “ዘርኢ ምጽጻይ ወፈራ ይካየድ ነይሩ፡” ዝበለ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ሕጂ’ውን እቶም ተመሳሳሊ ግፍዒ ዘውርዱ ዝነበሩ ኣዘዝቲን ሰብ-መዚን እቲ ስራሕ ይቕጽሉዎ ምህላዎም ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ንኮለነል ደመቀ ዘውዱን ኣቶ በላይ ኣየለውን ብዝፍጽሙዎ ዘለዉ ኣበሳታት ብስሞም ረቚሑ ኣስፊሩ ኣሎ።

ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ነቲ ጸብጻብ ንምድላው፡ ካብ መስከረም 2022 ክሳብ ሚያዝያ 2023፡ ብስልኪ 35 ሰባት ከም ዘዘራረበ ሓቢሩ። እቶም መሰኻኽር ነቲ ትካል ከም ዝነገሩዎ፡ ሓያሎ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ሑመራ ብኢሰብኣዊ መገዲ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ኣካፊሎም። ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝበጽሑ ተወላዶ ትግራይ ድማ ካብ ሑመራ፡ ራያን ዓደባይን ካብ መንበሪታቶም ተሓፊሶም ከም ዝተሰጐጉ ጠቒሶም። እቲ ናይ ምብራር መስርሕ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ምንባሩ እቶም መሰኻኽር ንህዩማን ራይትስ ዎች ሓቢሮም።

ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ነቲ ናይ ምእሳርን ምስጓግን ብፍሉይ ዝነጥፍ ዕጡቕ ጕጅለ ፋኖ ምዃኑ ይሕብር። ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብምጥቃስ እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ድማ ሚሊሻ ፋኖ ሰሙን ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ (10 ሕዳር)፡ ልዕሊ 2,800 ተወላዶ ትግራይ ካብ ሑመራን ከባቢኡን ሓፊሱ ምብራሩ ሓቢሩ።

ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ክልል ትግራይ ፍትሒን ተሓታትነትን ንኽነግስ ይጽውዓ ከም ዘለዋ ዘመልከተ ጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ እቶም ኣካላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ግፍዕታት ማዕረ ዝግበኦ ኣቓልቦ ከም ዘይሃበኦ ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ሓያሎ መንግስታት ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዕራቕን ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ዝገበርኦ ተበግሶን፡ “ኣብ ባይታ ጭቡጥ፡ ንተሓታትነት ዘንግስ ስጕምታት ይጎድሎ ኣሎ፡” ኢሉ። ሓደ ኣብነት ናቱ ኢሉ ዝጠቐሶ ናይ ክፍሊ ወጻኢ ዝምድናታት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ስምምዕ፡ ኣብ ጉዳይ ፍትሒ ንዘሎ ስእነት ተሓታትነት (ካብኡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ) ብፍሉይ ዘይምልዓሉ ነቒፉ።

እቲ ተሓላቒ ትካል፡ ተዓዛቢ ጕጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ብፍሉይ ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ኣትዩ ክምርምር ብምጽዋዕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ምስ መርመርቲ ኣካላት ክተሓባበር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ምኽትል ዳይሬክተር ክፍሊ ኣፍሪቃ ኣብ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ላቲሻ ባደር ከም ዝጠቐሰቶ፡ ሓያሎ መላፍንቲ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቶም ምስ ዝሰርሑ፡ ብፍሉይ ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኣበሳታት ኣተኵሮ ክህቡሉ ጸዊዓ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጸብጻቡ፡ ግብረ-መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ኣየጠቓለለን። ብወገንና’ውን ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ዛጊት ኣየቀንዐን። ኣብ ቀጻሊ ግን ከነስዕብ ኢና።