ዋሽንግተን —
‘ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ’ቲ ሎሚ ኣትየነኦ ዘለዋ ዘበነ ቅልውላው ተናጊፈን፣ ኣብ ጎደና ሰላምን ምዕባለን ክኣትዋ ከለዋ’የን ተረባሕቲ ክኾና ዝኽእላ’ውን’ ይብሉ ኣብ ጉዳይ ምሕጋዝ ዕጡቃት ጉጅለታት ክልቲኤን ሃገራት ምሕጋዝ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተዳለወ መደብ ዝተሳተፉ ኣጋይሽ።
ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ‘ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ዘለዎም ፀገም ፈቲሖም፣ ንቅድሚት ክግስግሱ ዝኽእልሉ ኩነታት ንክፈጥሩ ታሪኻዊ ግዴታን ሓላፍነትን ኣለዎም’ ኢሎም።
ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ብወገኖም ‘ከም መማራፂ መንገዲ ሰላም ክሕሰብ ኣለዎ።ኣብ ህልኽን ሓይልን ዝተመስረተ እንተኾይኑ ግን ውፅኢት ክህልዎ ኣይኽእልን። ጉድኣት ጥራሕ’ዩ ከስዕብ ዝኽእል’ ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5
ሓገዝ ንዕጡቃት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዋጻኢ ድዩ? (1ይ ክፋል)