ኢትዮዽያን ኤርትራን ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሕ/መ

UNGA

ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሓለፈ ዓርቢ፣ ምንስትር ወፃኢ ኤርትራ ኣቶ ኦስማን ሳልሕ ድማ ቅድሚ ትማሊ ሶኒይ ኣብ ኒውዮርክ ንዝተሰየመ መበል 67 ዓመታዊ ዋዕላ ባይቶ ሕ/መ መዲሮም ኣለው።

ብመዳይ ቁጠባዊ ዕብየት፣ኢትዮዽያ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ጊዜ፣ብድሕሪ‘ቲ ድቅድቅ ፀልማት ጮራ ብርሃን ምርኣይ ከምዝጀመረትን፣እቲ ብኣመራርሓ ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተዓመመ መደብ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ነታ ሃገርን ንህዝባን ናብ‘ቲ ደረጃ ከብፃሓን‘ዩ ኢሎም።

ምንስትር ወፃኢ ኤርትራ ኣቶ ኦስማን ሳልሕ ብወገኖም፣ሕ/ሃ ኣብ`ቲ ዝተመስረተሉ ዓቢይ ዕላም ተመስሪቱ፡ ንህዝቢ ዓለም ካብ ቐዛፊ ኩናት ከናግፋ ኣይከኣለን ኢሎም።

ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ዝተራእየ ምዕባለታት ከምዘሎ ኾይኑ፡ ኣማኢት ሚልዮናት ግን ብሕሱም ድኽነትን ሕማምን ይሳቐዩ ኣለዉ ኢሎም ሚንስተር ዖስማን ሳልሕ.

ንጽሟቕ መደረ ክሊቲኦም ሰብስልጣን ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

Your browser doesn’t support HTML5

ኣዳምጹ