ምውንጃል መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓድሽ ጎንጺ ክመርሕ ይኽእል’ዶ?
Your browser doesn’t support HTML5
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኰይኑ ዘገልገለ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡ ብ17 ለካቲት ኣብ ናይ እንግሊዘኛ መርበብ ሓበሬታ ኣልጃዚራ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝመጽእ ግጭት ምውጋድ፡ ውሳነ ዝውሰደሉ ግዜ’ዩ፡” ክብል ጽሒፉ። ስዒቡ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (ናይ ቅድም ትዊተር) ንጽባሒቱ ሰሉስ 18 ለካቲት ነዊሕ ምላሽ ሂቡ ኣሎ።