መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝጸንሐ ምስሕሓብን ዘይምርድዳእን ንምፍታሕ ንክራኸቡ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጾም።
ብመሰረት ዕድመ ቀ/ሚ ኣብዪ ኤርትራ ልኡኽ ናብ ኣዲሳበባ ተብግስ ከምዘላ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ኣፍሊጦም ኣለው። ኣብ ልዕሊ’ዚ ይምዕብል ዘሎ ተርእዮታት ንምዝርራብ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና።
ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ካብ ኣሜሪካ፣ ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ካብ ኣስመራ ኤርትራ።
መግለጺ ፕረዚደት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንታይ ስምዒት ፈጠረልኩም? ዝብል ሕቶ ዝቀረበሎም ክልቲኦም ኣጋይሽ ‘ኣብ ውሽጢ ዕድመይ ክሪኦ ይምነዮ ዝነበርኩ ግዲ ክሪኦ’የ’ ኢሎም ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ። ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ብወገኖም ‘ከመይ ኢሉ’ዩ እዚ ሓው ህዝቢ ተራሓሒቁ ዝነብር እናበልኩ’የ ይነብር ነይረ፣ ስለዚ ክልቲኡ ህዝቢ ክጥቀም’ዩ’ በሉ።
Your browser doesn’t support HTML5