ኢትዮጵያ መንግስቲ ኤርትራ ንክቕየር ከምትሰርሕ ኣፍሊጣ

Map of Eritrea

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምቕያር ዲፕሎማሲያውን ወታደራውን ዓቕምና ክንጥቀም ኢና ኢሎም።

ኢትዮጵያ መንግስቲ ኤርትራ ንክቕየር ኣበርቲዓ ንምስራሕ ፖሊሲኣ ምቕያራ ኣፍሊጣ።

ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣብዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ቃለመጠይቓት ሰብሰልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖሊሲ ካብ ምክልኻል ናብ ንጡፍ ስጉምቲ ከምዝተቐየረ ክገልፁ ቐንዮም ኣለው።

ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ መንግስቲ ኤርትራ ንምቕያር መንግስቶም ዲፕሎማሲያውን ወታደራውን ዓቕሙ ክጥቀም እዩ ክብሉ ንሓደ ሬድዮ ተቓወምቲ ኤርትራ ምግላፆም ኣገልግሎታት ዜና ሓቢረን ኣለዋ።እቲ ፀብፃብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪካ ጉባኤኡ የካይድ ኣብዝነበረሉ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናዕቢ ንምፍጣር ኤርትራ ሓደ ናይ ኣሸበርቲ ጉጅለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምልኣኻ ኸሲሳ ነይራ።ነቶግቲ ዝሓዙ ተጠርጠርቲ ኣብቁፅፅር ውዒሎም እቲ ውዲት ምፍሻሉ’ውን ሰበስልጣን ይገልፁ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ብዛዕባ እቶም ዝተኣሰሩ ጥርጡራት ዝርዝር ኣይሃበን።

ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ንጋዜጠኛታት ብንግሊዝኛ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ ዝተፈፀመ ዓይነት ህዝባዊ ዓመፅ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽፍጠር ትፍትን ከምዘላ ዘርኢ መርትዖ መንግስቶም ምርካቡ ተዛሮቦም።