ፖሊሲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ፈሺሉ እዩ'ውን ይብል
ጥምረት ተቃውቲ ኢትዮዽያ ዝኾነ መድረኽ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ኢህወዴግ ንዓቀን ደርቂ ዘስዐቦ ጉድኣት ብንፁር ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ከፍልጥ ፀዊዑ። ሕርሻ ዝመርሖ ፖሊሲ ኢህወዴግ ንሚልዮናት ንደርቂ ኣቃሊዕዎም‘ሎ ክብል ከሲሱ።
መድረክ ኣብ ናይ ሎሚ መግለፂኡ፣ኣብ‘ታ ሃገር ብጠንቂ ዝተጋፈሐ ደርቂን ዝናብ ደንጉዩ ስለዝጀመረን ቀልጢፉ ስለዘቋረፀን፣ዝተፈጠረ ሓምላይ ጥምየት
ካብ ዓይኒ ህዝቢ ኢትዮዽያን ዓለም ተከዊሉ ፀኒሑ‘ዩ ኢሉ ይኸስስ።
ኣባል ኣመራርሓ መድረኽ ኣቶ ገብሩ ገ/ማርያም ክዛረቡ ከለው ”ኣብ ደቡብ ኢትዮዽያ ብደርቂ ዝተጠቅዑ ሰባት 785 ሽሕ ኮይኖም እናሃለው፣ መንግስቲ ግና እቲ ኣሃዝ ናብ 280 ሽሕ ምንካዩ፣እቲ ህዝቢ ሓገዝ ንከይረክብ ዝዓንቀፈ ስለዝኾነ ዘጉሂ‘ዩ” ኢሎም።
መንግስቲ ከምዝብሎ፣በዝሒ ቀለብ ዕለት ዝፅበዩ ኣዝዩ ንሂሩ‘ሎ።በዝሒ ተሓገዝቲ ንምሕባእ ዝተገብረ ፃዕሪ‘ውን የለን።ፕሮፈሰር በየን ዼጥሮስን ካልኦት ኣመራርሓ መድረኽ ግና ብብርቱዕ‘ዮም ዝቃወምዎ።
ዶ/ር በየነ ዼጥሮስ ዝተሓብአ ደርቂ ኣሎ ኢና ንብል ዘለና ክብሉ ከለው፣ ኣቶ ገብሩ ገ/ማርያም ብወገኖም ሞተር ኢኮኖሚ ኮይኑ ዘሎ ሕርሻ ዝመርሖ ፖሊሲ ውፅኢቱ ንሪኦ ኣለና።ሚልዮናት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ንጥምየት ኣቃሊዕዎም‘ሎ ኢሎም ይብል ፀብፃብ መለስካቸው ኣምሃ።