ካብ ገዛኢ ፓርቲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ካብ ተቃወምቲ ኣቶ ብርሃኑ በርሀ ሪኢቶኦም ይህቡ

መረፅቲ ኣብ መቐለ

ሎሚ ንሓምሻይ ጊዜ ዝተሳለጠ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰላም ጀሚሩ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ተሓቢሩ።ኣብ’ዚ ድሕሪ ቀ/ሚ ዝነበሩ መለስ ዜናዊ ንፈለማ ጊዜ ዝተካየደ ሃገራዊ ምርጫ፣ተካኣኢኦም ኣቶ ኃይለማርያም ደሳለኝ ዝመርሕዎ ኢህወዴግ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ስልጣን ክዕወት’ዩ ዝብል ገምጋም ኣሎ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎም-ዘበን ምርጫ ኣስታት 37 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን ክሳተፉ’ዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።ገዛኢ ፓርቲ ዕውት ምርጫ ክብል ከሎ ተቃወምቲ ግና ይነቅፍዎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ሰንበት ፍሉይ ፈነወ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ካብ ዝቀረቡ ገለ ሪፖርታት ንገሊኦም ኣዳምፁ።

Your browser doesn’t support HTML5

ዝተዋደደ ሪፖርት ምርጫ ኢትዮጵያ