ኢትዮጵያ ኣብ መጠን ሸርፊ ወጻኢ ምትዕርራይ ገይራ

ባጤራ ኢትዮጵያ - ፋይል

ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ እትሳቐ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ባንክታትን ዘሎ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምቅርራብ ሎሚ ሰኑይ ምትዕርራይ ገይራ። እዚ ምስ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ (IMF)፡ መጠን ሸርፊ ብር በቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ክጎድል ተደጋጋሚ ጸቕጢ ክገጥማ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ ነዚ ውሳነ ወሲና።

ማእከላይ ባንክ ኢትዮጵያ መጠን ሸርፊ ብር ብመንጽር ዶላር ብ30 ሚእታዊት ከም ዘጕደሎ ገሊጹ። እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ መጠን ሸርፊ ንምውድድር ምዃኑ እቲ ባንክ ይገልጽ።

ኢትዮጵያ 28 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ዕዳ ዘለዋ ኰይና፡ ወለድ ዕዳኣ ንምኽፋል ተጸጊማ ምጽናሓ ይፍለጥ። ድሕሪ'ዚ ሎሚ ወግዓዊ ዝግበረቶ ናይ ሸርፊ ምትዕርራይ፡ እታ ሃገር ካብ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብን ኣለቃሕቲን ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ኣውሒሳ ኣላ። ክኢላታት ግን ክሳብ 10.5 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዘድልያ የመልክቱ።

ብመሰረት ሓድሽ ዝወጽአ መመርሒ፡ ባንክታት ካብ ዓማዊል ብናጻ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክሸጣን ክዕድጋን ክኽእላ’የን።

ድሕሪ’ዚ ሎሚ ወግዓዊ ዝዀነ ናይ ሸርፊ ለውጢ ባንክ ኢትዮጵያ ንሓደ ዶላር ኣመሪካ ብ76.33 ከሽርፎ’ዩ። ክሳብ ሎሚ መጠን ሸርፊ ብዕዳጋ ክብን ለጠቕን ዝብል ዘይኰነስ ውሱን’ዩ ጸኒሑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ለውጢ ፖሊሲ “ንዕብየት ብሕታውያን ኣወፈርቲ ዘተባብዕን ዕድላት ስራሕ ዝፈጥርን” ክብል ገሊጹዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ን33 ሚልዮን ዶላር ወለድ ዕዳ ዘይከፈለት ኢትዮጵያ ምስተን ኣብቲ መስርዕ ዝጸንሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ዛምቢንያን ጋናን ተሓዊሳ ነይራ’ያ። ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ናብ ኢትዮጵያ ዝተፈለለዩ ጉጅለታት ክሰድድ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ካብ መንጎ’ቲ ጠለባቱ፡ መጠን ሸርፊ ብዕዳጋ ክውሰን ናጻ ምግባሩ’ዩ ነይሩ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ናብቲ ውሳነ ንምብጻሕ ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ ነቲ ዘሎ ሽግራት ንምምላስ ኣገዳሲ ስጉምቲ፡” ክብል ገሊጹ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝምርኰስ ፖሊሲታት ከተኣታቱ ጸዊዑ።