ኣብ ኢትዮጵያ “ምርኢት ክዳውንቲ” አካለ ጉዱኣት ተኻይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ንመጀመርያ ጊዜ ብአካለ ጉዱኣት ሞዴላት ዝተዳለወ “ ምርኢት ክዳውንቲ” ተኻይዱ። እቲ ብኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ምርኢት 15 ዲዛይነራት ስርሓተን አካለ ጉዱኣት ሞደሊስት ብምድላው ንምርኢት ምቕራበን ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ምርኢት ኣፍልጦ ንምዕባይ ብምዕላም ዝተዳለወ ምዃኑ አዳለውቲ ይገልጹ።