ኣዲስ ኣበባ —
ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽን ሰብ ሞያን ዝፍፀሙ ማእሰርታት ከምዘተሓሳሰቦ ቤትምኽሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ቤትምኽሪ ሎሚ 23 ጥቅምቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ሃንደበታዊ እገዳ መጽሔትን ካብቲ ኣሰካፊ ዝብሎ ተርእዮ’ዩ።
እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ሰብ-ሞያ ክልተ ትካላት መራኸቢ ብዙሃን ማእሰርቲ ከምተፈፀመን፣ ንዕዳጋ ዝተዳለወ ሕትመት መፅሄት ድማ ከምዝተኣገደን ሓቢሩ። ብዛዕባ እቲ መግለፂ ንድምፂ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃቡ ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ ታምራት ሃይሉ ዋላ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ኣብ ዝወፀሉ ጊዜ፣ሕግታት መራኸብቲ ብዙሃን ክኽበሩ ይግበኦም ኢሎም።