ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሊቢያ ንዝተፈፀመ ግፍዒ ንምቅዋም ትማሊረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፀውዐ ሰልፊ ዝተልዓለ ህውከት ዝለዓዐሉ ሰማያዊ ፓርትን ግንቦት ሸውዓተን እዮም ክብል መንግስቲ ኸሲሱ።እቲ መንግስቲ ንሎማዕንቲ ዝተሓስበ ዘይሕጋዊ ሰልፊን ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማን ዝበሎ እውን ንኽቲኦም ወገናት ኸሲሱዎም ኣሎ።ሰማያዊ ፓርቲ ነቲ ኽሲ ብምንፃግ የግዳስ ንምርጫ ዝወዳደሩ ኣባላተይ ብምእሳር መንግስቲ ንሕጊ ጥሒሱ ኢሉ’ሎ።ግንቦት ሸውዓተ ብወገኑ ህዝቢ ዘካይዶ ቓልሲ ንድግፍ ኢና ኢሉ’ሎ።
ቴሌቮዥን ኢትዮጵያን ኣብ ናይ ሎማዕንቲ ዜና እወጃኣ ንኮማንድ ፖስት ፖሊስ ፌደራል ብምጥቓስ ትማሊ ረቡዕ መንግስቲ ኣብዝፀውዖ ህዝባዊ ሰልፊ ዝሃውኩን ዝበፅበፁን ኣባላት ሰማያዊ ፓርትን ሸውዓተ ጉንበትን እዮም ኢሉ’ሎ።
ነዚ ናይ ህውከትን ዕግርግርን ፈተነ ብምብራዕን ብምትሕብባርን ከምኡ እውን ብምልዕዓል ንስነ ስርዓት ሓዘን ህዝቢ ንምህዋኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ሰማያዊ ፓርቲ፣ካብ ወፃኢ ድማ ኣሸባሪ ጉጅለ ጉንበት ሸውዓተ ዝለዓለ ፃዕሪ ክገብሩ ተስተውዒሎም ኣለው ይብል እቲ ዜና።
ፈጠርቲ እቲ ህውከት ብዝተደርበዩዎም ኣእማን ኣብ ልዕሊ ሒደት ሰባት ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ኣባላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፌደራልን ውሱን ጉድኣት በፂሑ’ሎ ይብል እቲ ናይ ቴሌቪዥን እወጃ።ዝርዝሩ የድምፁ።
Your browser doesn’t support HTML5