መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ዝኣወጀሉ ምክንያት እታ ሃገር ብዘንጸላለዋ ስግኣት ምኻኑ ገሊጹ

  • ገብረ ገብረመድህን
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ዝኣወጀሉ ምኽንያት ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ይመፅእ ብዘሎን ኣብታ ሃገር ብዘንፀላለወን ስግኣት እዩ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ።

ንመንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ነታ ሃገር ዘጥፍኡ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ኣለው ዝበሉ ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ክትግበር ዝተወሰነሉ ምኽንያት እዞም ፀላእቲ ኣበይ ደው ከምዝብሉ ስለ ዘይፍለጥ እዩ ኢሎም።

ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ተቓውሞ ስዒቡ ዝተረኣየ ቅልውላው ምኽንያት ብምግባር ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝጀመረን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕን ህፁፅ ኣዋጅ ትማሊ ሰንበት ኣዊጁ’ሎ።እዚ ኣዋጅ ብቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ወግዓዊ ኮይኑ ኣሎ።

ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ንናይ ወፃኢ ጋዜጠኛታት ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ ኣዋጅ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ምስ ዝተልዓሉ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ብዝተኣሳሰረ ኣይኮነን ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብዝምልከት ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንጋዜጠኛታት ዝሃብዎ መግለጺ

ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ ትማሊ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፈፃሚ ኮማንድ ፖስት እቲ ህፁፅ ኣዋጅ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት፣ንሰላምን ደሕንነትን ህዝብታትን ዜጋታትን ንምሕላው ኣድላዩ እዩ ኢሉ ይኣምን እዩ ዝበልዎ ዝርዝር ጉዳያት ከምዝፍፅም ሓቢሮም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ኣዋጅ መርሚሩ ብክልተ ሲሶ ድምፂ ከፅድቖ ትፅቢት ይግበር።

ሸውዓተ ኣባላት ዝሓቖፈ መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ኣዋጅ ከምዘጣይሽ እውን ተገሊፁ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ዝኣወጀሉ ምክንያት እታ ሃገር ብዘንጸላለዋ ስግኣት ምኻኑ ገሊጹ