ኢትዮጵያ: ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ህፁፅ ግዜ ኣዊጃ

  • ገብረ ገብረመድህን

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እናገፍሓ ብምምፅኡ መንግስቲ ህፁፅ እዋን ምእዋጁ ኣፍሊጦም። ንሶም ነቲ ኣዋጅ ኣብ ዘፍለጥሉ እዋን ንሃገርን ትውልድን ንምድሓን ካብዚ ንላዕሊ ክንውስን ከምእንኽእል ክፍለጥ ኣለዎም ኢሎም።ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክዉዕል ኣብ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዝፀደቐ ኣዋጅ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ከምዝተልኣኸ ተገሊፁ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ህፁፅ ግዜ ንምእዋጅ እዋኑ ሕጂ እዩ ኢሎም። "ክሳብ እንዳሎን ኩነታት ክሳብ ዘገድዱን ተፀቢና ኢና "ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ "እቲ እዋን ኣኺሉ ኣሎ" ኢሎም።ህፁፅ እዋን ምእዋጁ ብፅሑፍ ሎሚ ወግዓዊ ዝገበሩ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እናገደደ ስለዝመፀ ህፁፅ እዋን ኣዊጅና ኣለና ኢሎም።

ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዝፀደቐ እዚ ኣዋጅ ብመሰረት ዓንቀፅ 93 ሕገ መንግስቲ መሰረት ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚንስትርሓቢሮም።

"እዚ ጥራሕ እኹል ከይኸውን ይኽእል እዩ ፤ንሃገርን ወለዶን ንምድሓን ካብዚ ንላዕሊ ክንውስን ከም እንልእኽ ክፍለጥ ኣለዎ።ዜጋታት እውን ግቡኦም ንምፍፃም ካብዚ ንላዕሊ መዓንጥኦም ሸጥ ኣቢሎም ክፀበዩ ኣለዎም" ክብሉ'ውን ኣተሓሳሲቦም።

ልዕሊ 70 ሃገራት ዓለም ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ህፁፅ ግዜ ምእዋጆም ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኣዘኻኺሩ።

እቲ ህፁፅ ግዜ ተኣዊጁ ዘሎ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ስራሕ እናሃለወ ብምዃኑ ብህፁፅ ናብ ፓርላማ ክልኣኽ ከምተወሰነ እውን ተፍሊጡ ኣሎ።ዝርዝር መምርሒ ኣብ ዝቕፅል ክግለፅ ትፅቢት ይግበር።ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሩ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 55 በፂሑ ኣሎ።