ኣብ ግንቦት 20 ዝተወጠነ ‘መዓልቲ ቁጥዔ` ኣይተኻየደን

ኣብ መስቀል ኣደባባይ መደረ ዘስምዑ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፡ ጉዕዞ ህዳሴና ናይ ዋንነት መረጋገጺ ካርታና`ዩ ኢሎም

ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተረኽበ ህዝቢ ካብቲ ተተንቢዩ ዝነበረ ቑጽሪ ኣዚዩ ዝወሓደ`ዩ። ን4ተ ሰዓታት ዝተመደበ ፕሮግራም`ውን ናብ 2ተ ሰዓት`ዩ ሓጺሩ።

ን5ተ ደቓይቕ ዝተዛረቡ ቀ/ሚ መለስ፡ ትኹረቶም ንህንጸት ሓጽቢ ኣባይ ድጋፍ ህዝቢ ኣብ ምምሕጻን`ዩ ኔሩ።

ዝሓለፈ ቐዳም፡ ዝበዝሑ ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ዝኾነ ሰልፊ ርሒቖም ዕለታዊ ስርሖም ክገብሩ`ዮም ውዒሎም።

ንምሉእ ጸብጻብ ፒተር ሀንለይን ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡