ኣዲስ ኣበባ —
ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፣ ዝርዝር ብገበን ግብረ-ሽበራ ዝተኸሰሱ 23 ሰባትን 96 መሰኻኽርን ናብ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ከምዘቅረበ ተፈሊጡ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ዘቅረቦም 96 መሰኻኽር፣ መዝገቦም ኣበይ ይጽናሕ ዝብል ሕቶ ክትዕ ከምዝተገብረሉ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።
ንስልጣን ክልል ኣምሓራ ካብኡ ሰጊሩ ፌደራላዊ መንግስቲ ብሓይሊ ንክቆጻጸሩን ተግባር ግብረ-ሽበራ ንክፍጽሙን ፈቲኖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ዝርክቡን ተኸሰስቲ፣ መሰል ዋሕስ ንክዋሃቦም ዘቅረብዎ ሕቶ በቲ ቤት ፍርዲ ተነጺጉ ኣሎ።
ተኸሰስቲ፣ ንዝቐረበሎም ክሲ ዘቅረብዎ ተቃውሞ ብጠበቐኦም ናብ’ቲ ቤት ፍርዲ ከምዘትሓዙ’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ ኣሎ።