ካብ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተሓላለፈ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተሓሓዝ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ 14 ዜጋታት ሎሚ ዓርቢ 8 ሕዳር 2024 ንኻልኣይ እዋን ኣብ መጋብኣያ ቀሪቦም፡ ቃሎም ሂቦም።
እዞም ከም ኣባል ፓርላማ ክርስትያን ታደለን ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ዮሃንስ ቧያለውን ዝርከቡዎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣብቲ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት “ወታሃደራዊ መዳጎኒ” ኢሎም ዝጽውዑዎ ቤት ማሕቡስ ኣዋሽ ኣርባ’ዮም ፈለማ ተታሒዞም ነይሮም። ድሒሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገዓዙ እሱራት፡ ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ከይዲ ምስማዕ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት ከም ሕክምና ከም ዘሎ ተዛሪቦም።
ቤት ፍርዲ እቶም እሱራት ጠለባት ሕክምና ክማልኣሎም ኣዚዙ ኣሎ።
እቶም እሱራት ኣቐዲሞም ሓንሳብ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምንባሮም ዝዝከር’ዩ። እንተዀነ እቲ ቤት ፍርዲ ንዓመታዊ ዕረፍቲ ስለ ዝተዓጽወ፡ ሎሚ’ዮም ንኻልኣይ እዋን ቀሪቦም።
ዳኛ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንጉዳዮም መርሚሩ ጸብጻቡ ከቕርብ ሓቲቱ ኣሎ። ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ንዝመጽእ 30 ሕዳር (ድሕሪ ኣስታት 20 መዓልታት ምዃኑ’ዩ) ጉዳዮም ክስምዕ ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።
ፈለማ ን10 ኣዋርሕ ዝሓለፈ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ግዜኡ ኣብ ወርሒ ሰነ ዘብቕዐ ኰይኑ፡ ዛጊት ግን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽአ መሰረታዊ ለውጢ ዛጊት የሎን።