ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኢትዮጵያ ብገበናት ሽብር ኣብ ልዕሊ ዝኸሰሶም 18 ኣባላት ናዳዪ ፍታሕ ሙስሊም ማሕበረሰብ ካብ ሸውዓተ ክሳብ 22 ዓመታት ፅኑዕ ማእሰርቲ ፈሪዱዎም።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ናይ ሎማዕንቲ ሰኒ መጋባእያ ብእኒ ኣቡበክር ኣሕመደ ኣብ ዝፅዋዕ መዝገብ ኽሲ ብሽብር ገበናት ዝተኸሰሱ 18 ኣባላት ኮሚቴ ናዳዪ ፍታሕ ሙስሊም ማሕበረሰብን ካልኦትን ኣብ ኣርባዕተ ምድብ ኸፊሉ ቀፂዑዎ ኣሎ።
ኣብቲ ገበን መራሕቲ ነይሮም ዝበሎም ኣቡበክር መሓመድ፣ ኣሕመዲን ጀበል፣ያሲን ኑርን ካሚል ሸምሱን ንሕድ ሕዶም ካብ ዝተትሓዝሉ ጀሚሩ ናይ 22 ዓመታት ፅኑዕ ማሰርቲ ንክቕፅዑ ፈሪዱዎም ኣሎ።
ኣብ ካልኣይ ምድብ ዝተቐመጡ ድማ በድሩ ሑሴን፣ሳቢር ይርጉ፣ መሓመድ ኣባተ፣ኣቡበክር ኣለሙን ሙኒር ሑሴንን ሕድሕዶም ናይ 18 ዓመታት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንክቕፅዑ ወሲኑ’ሎ።
15 ፅኑዕ ማእሰርቲ ዝተፈረዶም ድማ ሸኽ መከተ ሙሄ፣ኣሕመድ ሙስጣፋ፣ሸኽ ስዒድ ዓሊ፣ሙባረክ ኣደምን ኻሊድ ኢብራሂምን እዮም።
ሙራድ ሽኩር፣ኑሩ ቱርኪ፣ሸኽ ባህሩ ዑመርን ዮሱፍ ጌታቸውን እውን ንሕድ ሕዶም ብሸውዓተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንክቕፅዑ እቲ ቤት ፍርዲ ፈሪዱዎም ኣሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣብዘስምዓሉ እዋን ኩሎም እሱራት ‘’ኣላህ ወኣኽበር’’ ዝብል ድምፂ ከስምዑ ከለው ኣብቲ መጋባእያ ዝተረኽቡ ስድራን ፈተውትን እሱራት ምዃኖም ዝግመቱ ድማ ክበኽዩ ተራኢዮም ኣለው።
እቲ ቤት ፍርዲ ካብዚ ብተወሳኺ ገበነኛታት ማእሰርቲ ወዲኦም ምስ ወፁ ንሓሙሽተ ዓመታት ክመርፁን ክምረፁን፣ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ዋሕስ ወይ ምስክር ንከይኾኑን ዝኣመሰሉ ስቪላውን ፖለቲካዊ መሰሎም ኣጊዱዎም ኣሎ።
ዓቃቢ ሕጊ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ ብገበናት ሽብር ዝኸሰሶም 29 ሰባትን ክልተ ትካላትን ነይሮም።እቲ ቤት ፍርዲ 10 ተኸሰስቲ ውልቀሰባትን ክልተ ትካላትን ምክልኻል ከየድለዮም ብነፃ ኣሰናቢቱዎም ፤ሓደ ድማ ኣብዘየለሉ ተፈሪዱዎ’ሎ።