"አገልግሎት ኢንተርነት ዝተቋረጸ ንረብሓ ተማሃሮ'ዩ" ኮሚኒኬሽን ሚኒስተር

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዝተቋረጸ ረብሓ ተማሃሮ ንምሕላው እዩ ክብሉ ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጦም።ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዝተኸሰተ ደርቂ እውን መንግስቲ ክፃወሮ ከምዝኽኣለ ገሊፆም። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ይምለሱ ኣለው ኢሎም። ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሬ ሊነጮ ትማሊ አማስይኡ ንጋዜጠኛታት መራኸቢ ብዙሃን ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዝተላዕሉ ጉዳያት ሓደ፡ ካብ ዝሓለፈ ሶሉስ ጀሚሩ ብዛዕባ ዝተቋረጸ አገልግሎት ኢንተርነት ክኸውን ኸሎ እዚ ዝተገብረሉ ንክልተ ሰለስተ መዓልታት’ዩ።