ጸረ ሽበራ ሓባራዊ ግብሪ ሓይሊ ፈደራል ፖሊስ ሎሚ ምሸት ብኮርፐሬሽን ብሮድካስቲን ኢትዮጵያ ከምዝገለጾ እቶም ሰባት ኣብ ደቡብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን’ዮም ተታሒዞም ኢሉ’ሎ።
ኣዲስ ኣበባ —
ኣብቲ ክልል ኣብ ዱር ተሓቢኦም ንዝተፈላለዩ ተግባር ሽበራ ይዳለው ኔሮም ዝበሎም ብ28 ሚያዝያ, 2008 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ መብዛሕትኦም ምስ ዘተአኻኽብዎ ዕጥቕን ናውትን ተታሒዞም ክሃድሙ ዝፈተኑ ሒደት ኣሸበርቲ ኸአ ተቀቲሎ’ለው ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ’ሎ።
እቶም ዝተታሕዙ ሰባት ክሳብ ኡጋንዳ ብነፋሪት ካብኡ ናብ ኬንያ ብመኻይን ደሓር ብሞያሌ ናብ ኢትዮጵያ አትዮም ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜግነቶም ኾነ ምስ ኣየናይ ፖለቲካዊ ውድብ ርኽብ ከምዘለዎም ግን ኣይጠቐሰን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5