ኣዲሳበባ ንሰልፊ ተቃውሞ ኣተኣናጊዳ

DEMONSTRATION IN ADDIS ABABA

ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ንፈለማ ጊዜ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ትማሊ ሰንበት ኣተኣናጊዳ።

እቲ ብሰማያዊ ፓርቲ ዝተፀወዐ ሰልፊ ተቃወምቲ፣ዝተኣሰሩ ንክፍትሑ፣ ሕገ-መንግስቲ ክኽበር፣ዓፋኒ ዝበልዎ ኣዋጃት ክቅየሩ ፀዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ብወገኑ ነቲ ሰልፊ ተቃውሞ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ”ሃይማኖትን ፖለቲካን ዝተፈላለዩ ምኻኖም፣ንሕገ-መንግስትን ላዕለዋይነት ሕጊ ጠጠው ዝበልኩ‘የ ዝብል ወገን፣ፅዕንቶ ብምፍጣር ንፍትሒ ንምትዕንቃፍ ክፍትን የብሉን” ይብል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣዳምጹ