ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጣልያን ተኸቢሩ

ኣከባብራ በዓል ዓወት ኢትዮጵያ

ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ብኢትዮጵያዊያን ዝተሳዓረሉ መበል 75 ዓመት፣ ሎሚ ኣብ ኣዲሳበባ ኣራት ኪሎ ኣደባባይ ዓወት ተኸቢሩ።

ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ ብምኽንያት’ቲ በዓል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ፋሽሽት ጣልያን ኣብ ዓድዋ ዝተጎልበቦ ስዕረት ንምክሕሓስ ድሕሪ ናይ 40 ዓመታት ምቅርራብ ግፍዓዊ ወረራ ዝፈፀመሉን፣ ኢትዮጵያዊያን ድሕሪ ናይ 5 ዓመታት ከቢድ መኸተ ባንዲራ ፋሽሽታዊያን ኣውሪዶም፣ ባንዲራ ኢትዮጵያ ዘንበልበሉላን ዕለት’ያ ኢሎም።

ፕረዚደንት ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ብወገኖም፣ ብህይወት ዘሎ ዜጋ ይኹን ተረካባይ ወለዶ፣ ናይ ሓርበኛታት ኣቦታቱን ኣዴታቱናን ዝናኣድ ኣብነት ስዒቡ፣ ንሃገሩ ኣብ ጎደና ምዕባለ መሪሑ ከዕብያ ይግባእ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሪፖርት