ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሰላማዊ ተቓውሞ ንምዕፋን ምጥቃሞም ጠጠው ከብሉ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ፀዊዑ። እቲ ሎሚ ሰኑይ 19 የካቲት 2024 ዝወፀ መግለፂ ከምዝሓበሮ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ዝነቕፉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ንምዕፋን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ይጥቀምሉ ኣለው ኢሉ።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ሚልሻ ፋኖን ኣብ ነሓሰ ዝጀመረን ገዲዱዎ ዝቐፀለን ናዕቢ ስዒቡ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ'ሎ።
ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዞባዊ ዳይረክተር ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ቲገረ ቻጉታህ "መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረታዊ መሰላት ንምምንጣል ብምስምስ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝፀንሐ ስልትታት ምጥቃም ሕግታት ከቋረፅ ኣለዎ። ኢትዮጵያዊያን ካልእ ዕጥቓዊ ግጭት ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ክልል ትግራይ፣ ዝኸፍአ ፀጥታዊ ኩነታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ድማ በደለኛታት ብዘይ መቕጻዕቲ ዝተርፉሉ ኩነታት ኣለዎም። ግደ መራኸቢ ብዙሃንን ሓሳብ ብናፃነት ናይ ምግላፅ መሰላትን ከም ወትሩ ወሳኒ እዩ’’ ኢሉ ።
ቲገረ ቻጉታህ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንሰባት ብጃምላ ምእሳር ጠጠው ከብሉን ናይታ ሃገር ሕግን ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላትን ከኽብሩን ጸዊዑ።