ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ከምሴ ብፍላይ ኣብ ከተማ ባቲ ዝነብሩ ተጋሩ መጥቓዕቲ ተፈፂሙና፣ንብረትና ተዘሪፉን ዓንዩን ክብሉ ገሊፆም።
ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለይ ወናኒ እንዳወርቂ ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ህይወቱ ንምድሓን ናብ ከተማ መቐለ ከምዝሃደመን ገሊፁ።’’ምስ ስድራይ ናብራይ ዝመርሐሉ እንዳወርቀይ ምሉእ ብምሉእ ወሪሮም ክወስዱዎ ዘይኽእሉ ንብረተይ ኣዕንዮምዎ፤እቶም ዘረፍቲ ድማ ነበርቲ እታ ከተማ ዘይኮኑ እዮም’’ይብል።
ፖሊስ ክንድቲ ዝግባእ ኣይተኸላኸለን ዝበለ ንሱ ናይ ብዙሓን እንዳወርቂ ከምዝተወረረን ንሱ ዝፈልጦም ኣርባዕተ ሰባት ድማ ተወቒዖም ኣብ ናይ ደሴ ሪፈራል ሆስፒታ ይሕከሙ ከምዘለውን ገሊፁ።ናይታ ከተማ ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ሓቢኡ ህይወትና ስለዘድሐነና እውን ነመስግን ኢሉ።
ካሊእ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለ ወናኒ እንዳወርቂ እውን ንህይወቱ ብምስጋእ ኣብ ገዛ ተሓቢኡ ከምዝርከብ ብምግላፅ ንብረቱ ተዘሪፉ ይኹን ኣይኹን ዝፈልጦ ነገር የብለይን ይብል።
ተፈፂሙ ብዛዕባ ዝተብሃለ መጥቓዕቲ መብርሂ ንምርካብ ንከንቲባ ከተማ ባቲ ኣቶ ዓብዱ እንድሪስ ተደጋጋሚ ስልኪ ደዊለ ኣይተልዓለን።ናብ ዋና ኣመሓዳሪ ፍሉይ ዞባ ከምሴ ኣቶ እንድሪስን ኣዛዚ ፖሊስ ናይቲ ዞባ ኣቶ ጀማል ብሩን እውን በተደጋጋሚ ስልኪ ደዊለ ኣይተልዓለን።ሓላፊ ዘፈር ፀጥታ ፍሉይ ዞባ ከሚሴ ኣቶ እንድሪስ ዓሊ ግን ስልኪ ደዊለ ስለምታ ምስተለዋወጥና ካብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ምዃነይ ምስ ገለፅኩሎም ስልኪ ተዓፂዩ።መላሊሰ እንተደወልኩ እውን እናፀውዐ ክልዓል ኣይክኣለን።
ናብ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ስልኪ ደዊለ ኣይረኸብኩን።ተወቒዖም ዝተብሃሉ ሰባት ይሕከምሉ ኣለው ናብ ዝተብሃለ ናይ ደሴ ሪፈራል ሆስፒታል ስልኪ ደዊለ ኣይተልዓለን።
ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5