ኣብ ሰ/ሸዋ ብመጥቃዕቲ ድሮን ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም

ኣብ ሰሜን ሽዋ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መኪና ካብ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት(ድሮን) ብዝተተኮሰ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፣ ብርክት ዝበሉ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ’ቲ ከባቢ ገሊጾም።

ሓደ ኣባል ቤተሰቦም ካብ ሞንጎ’ቶም ዝተቀትሉ ከምዝኾኑ ዝዛረብ ውልቀሰብ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ካልኦት ይዕጅብዎም ዝነበሩ ኮይኖም ንስነ-ስርዓት ክርስትና ወዶም ኣፈጺሞም ናብ ገዝኦም ኣብ ልዕሊ ይምለሱ ዝነበሩ ሰባት ከምዝተፈጸመ ሓቢሮም።

ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ግብረ-መልሲ ንክህቡሉ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።