ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ቁጽሪ ዝሞቱ ግዳያት ምፋራስ ዝተአከበ ጎሓፍ ይውስኽ’ሎ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ አዲስ አበባ ቆሼ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምፍራስ ኩምራ ጎሓፍ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ’ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ቁጽሪ ዝሞቱ 82 ከምዝበጽሓ ሓቢሩ’ሎ።ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 72 ምኳኑ ገሊጾም'ለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ኣዊጁ’ሎ።