ኢዜማ: መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተሰምዐ ተዂሲ ግልጺ መብርሂ ክህብ ሓቲቱ

ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ተኹሲ ብዝምልከት መንግስቲ ግልጺ መብርሂ ክህብ ኢዜማ ሓቲቱ። ፖሊስ ብወገኑ፡ ነቲ ተኹሲ ዝፈጸሙ ናብ ናይ ተሓድሶ ስልጠና ዝሓልፉ ዝነበሩ ኣባላት ዕጡቓት ኦነግ ዝነበሩ`ዮም ብምባል ንዝተፈጥረ ስንባደን ምርባሽን ይቕረታ ሓቲቱ`ሎ። ተወሳኺ መብርሂ ግን ምርካብ ኣይተኻእለን።

ብኻልእ ወገን ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ሓደ ክንፊ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ ቅርጹን ትሕዝትኡን ንህዝቢ ግልጺ ክግበር ኢዜማ (ማሕበራዊ ፍትሒ ዜጋታት ኢትዮጵያ) ወሲዂ ጸዊዑ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ ካብ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ምላሽ ኣይተረኽበን።

ኢዜማ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታትን፡ እቶም ዕጡቓት ክኣትዉ ከለዉ፡ ብዝተተኮሰ ጥይት ህይወት ዜጋታት ምጥፍኡ ይስማዕ ኣሎ ኢሉ።

በቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ ተኹሲ፡ ሕልፈት ሓደ ሰብ ወሲኽካ ዝተፈላለየ ኣካላዊ ጉድኣት ምውራዱ ብማሕበራዊ መራኸብታት ይፍኖ`ሎ፡ እንተኾነ ድምጺ ኣመሪካ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።