ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 4ተ ሺሕ ብዲግሪን ድፕሎምን ከምኡ`ውን ማስተርስ ተመሪቖም ይብል ፈጻሚ ዲረክተር ቦርድ

Eritrea-Graduates-2013

ዶ/ር ታደሰ መሓሪ፡ ኣብ ኤርትራ 7ተ ዩኒቨርሲታት ከምዘለዋ፡ ብድምር ልዕሊ 15 ሺሕ ከምዝሕዛ ገሊጹ
ኣብ ኤርትራ ዘለዋ 7ተ ኮለጃት በብዓመቱ ኸባቢ 5ተ ሺሕ ተማህሮ ከምዝቕበላ፡ ቁጽሪ ደቀንስትዮ ንምትብባዕ ኣብ መቐበሊ ነጥቢ ሓለፋ ከምዝግበር፡ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ ሕግን ጥዕና ሳይንስን ሒዛ ከምዘላን ንሓዋሩ ቤት ትምህርቲ ድሕረ-ምረቓ ክትከውን ተሓሲቡ ከምዘሎን ዶር ታደሰ ገሊጹ`ሎ።

ኮለጃት ኤርትራ ዓለማዊ ኣፍልጦ ክረኽባ ከምዝጀመራን፡ ነቲ ኣፍልጦ ንምሕያሉ ብዕቱብ ይስርሓሉ ከምዘሎን ገሊጹ።

ምስ ዶ/ር ታደሰ መሓሪ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡

Your browser doesn’t support HTML5

Listen to the program