ኣዲስ ኣበባ —
“ሕጋዊ መንበሪ ወረቐት የብልኩምን” ብዝብል ምኽንያት ኣስታት 60 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብፖሊስ ምእሳሮም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እዚ ግን ንጉዳይ ስደተኛታት መንበሪ ዝህብ ትካል ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ስራሑ ደው ኣብ ዘበለሉ እዋን’ዩ።
ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነቶም ካብ ማእሰርቲ ጉቦ ከፊልና ወጺእና ዝብሉን ግብረ-መልሲ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ኢትዮጵያን ብምውህሃድ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።