ኤርትራውያን ነበርቲ ስያትልን `እምነት` ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሕበሮምን

ኣብ ስያትል ዋሽንግተን ዝተመስረተ እምነት ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ንማኽሰብ ዘይቆመ ናይ ኤርትራውይን ትካል ናብ ኤርትራ ሓደ ፅዕነት ቀረባት ናውቲ ሕክምናን ከንኡውን መድሃኒትን ልኢኹ’ሎ

እምነት ብእንግሊዝኛ ብምህፃረ ቃል EMENET ማለት Eritrean Medical Equipment and Supplies Relief Network ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ንዝርኤ ሕፅረት ቀረባት ሕክምናን መድሓኒትን ኣብ ምቅላል ንምሕጋዝ ዝተመስረተን እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተላእከ ፅዕነት ፈላማይ ምኻኑን እንተወሓደ ኣብ ዓመት ሓደ ወይ ክልተ ጊዜ ንምልኣኽ መደብ ከም ዘለዎን ዶ/ር ዮርዳኖስ ሓንቲ ካብቶም ነዚ ንመኽሰብ ዘይቆመ ትካል ዝመስረቱን ነዚ ፅዕነት ኣብ ምልኣኽ ዘተሓባበሩን ገሊፃ።

ንወፃኢ’ቲ መፅዓኒ ዝወዓለ ገንዘብ ብምትእኻብ ገንዘብ ዝተአከበ ምኻኑ’ውን ተገሊፁ’ሎ

Your browser doesn’t support HTML5

TIG-Eritreans-in-America-05-14-13