ኤርትራውያን ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዝቃወሙ ኣብ ጀነቫ: ዝድግፉ ድማ ኣብ እስራኤል ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ውዒሎም

ካብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዝመጹ ኣሸሓት ኤርትራውያን ኣብ`ታ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሪፖርት ዘቕረበትላ ከተማ ጀነቫ ኣንጻር`ቲ ሪፖርት ተቓውምኦም ከስምዑ ውዒሎም። ብኻልእ ወገን ነቲ ሪፖርት ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ እስራኤል ከምዝተኻየደ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

ሰልፊ ተቓውሞ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን (ጀነቫ ስዊዘርላንድ)

ካብ ተሰልፍቲ ጀነቫ ተኪኤ ክብሮም “ ኣንጻር ዓመጽቲ ሓድነትና ክነመስክር ውዒልና፡ ንዓና ንኤርትራውያን ከህስሱ ምፍታን ግን፡ ከም ንጸሓይ ብሰተታ ክትሽፍን ምፍታን`ዩ “ ኢሉ። ዮውሃንስ ዝተባህለ ካልእ ተሰላፊ ብወገኑ፡ “ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ ተኣኪብና ዘለና፡ መኸተናን ሓድነትናን ጽንዓትናን ዳግም ንምምስካር`ምበር፡ ካብ`ታ ከምታ ኣብ`ቲ ኣፍደገ ዘላ`ሓንካስ መንበር` ሓንካስ ዝፍርዱ ሕቡራት ሃገራት ቅኑዕ ፍርዲ ተጸቢና ኣይኮናን “ ኢሉ።

ካብ ሰልፊ እስራኤል ንቪኦኤ ዝተዛረበ ኣድሓኖም ተክለሚካኤል ብወገኑ፡ “ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ መግህስቲ መሰላት`ዩ ነቲ ሪፖርት ንኽንድግፍ ዘገበረና`ምበር…..(ኻልእ ዕላማ ) ኣይኮነን፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን`ያ ትምልከት “ ኢሉ።

ሰልፊ ተቓውሞ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን (ተል ኣቪቭ እስራኤል)

ወከልቲ`ቶም ንሪፖርት ኮሚሽን ዝቃወሙ ተሰልፍቲ፡ 150 ሺሕ ፊርማታት ዝሓዘ ሾውዓተ ባኮታት(ሳጹናት) ናብ ሹዱሽተ ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ከምዝተረከበ ሓቢሮም። ኣብ`ቲ ሰል09ፊ፡ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ገለ “መሓዙት ኤርትራ” ናይ ድጋፍ መደረታት ኣስሚዖም ኔሮም።

ሙሉእ ጸብጻብ ትሕት ኢሉ ኣብ ዝርከብ ናይ ድምጺ ፋይል ምስማዕ ይከኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራውያን ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዝቃወሙ ኣብ ጀነቫ: ዝድግፉ ድማ ኣብ እስራኤል ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ውዒሎም