ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን፤ ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን፤ ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ

15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት ሱዳን፡ ነቶም ኣቐዲሞም’ውን ግዳይ ተደጋጋሚ ዒላማ በበይኖም ወገናት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበኣሰ ጸገም ኰይኑዎም ኣሎ። ምስቲ ዘሎ ሽግር መራኸቢታት ምስ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ ዘሎን ጸኒሑን።

ናብ ኢመይላትናን ናይ ፈይስቡክ መልእኽቲን “ርድኡና፡ ድምጺ ኩንና” ዝብል መልእኽቲ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካብ ሱዳን በብእዋኑ ክስደደልና ጸኒሑ። ብዙሓት ቍጽሮም’ውን እንተገደፉ፡ ብሰንኪ ምቁርራጽ መስመር ቴለፎን ደጊምካ ንምርካቦም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ጸኒሑን ሕጂ’ውን ዘሎን።

ምስቲ ዝቆራረጽ መስመር ስልኪ፡ ክልተ ካብቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዘራሪብና ኣለና።