ኤርትራዊ አባ ሙሴ ዘርአይ ሕጹይ ሽልማት ኖብል ሰላም ኮይኖም

አብ ሮማ ዝመደበሮም አብዚ እዋን'ዚ አብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝሕለቁን ዝነጥፉን አባ ሙሴ ዘርአይ ንሽልማት ኖበል ሰላም ካብ መንጎ ዝተሓጽዩ ሰባት ሓደ ምዃኖም ተገሊጹ።

ካብ መንጎ'ቶም ንኖበል ሽልማት ሰላም ዝቀረቡ ህጹያት ብዘይካ አባ ሙሴ ዘርአይ፡ ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ናይ ጀርመን ቻንስለር አንጀላ መርከን ይርከብዎም።

አባ ሙሴ ዘርአይ ብዛዕባ'ዚ ንቪኦኤ አብ ዝሃብዎ ርኢቶ "እዚ ትርጉም ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ንጉዳይ ስደተኛታት ዝገበክዎ ቃልሲ'ዩ። ስመይ አብ መንጎ ህጹያት ክአቱ ዝገበረ ኸአ ንኩነታት ስደተኛታት ክጎልህ ዝደለ'የ'ዩ" ኢሎም'ለው።

አብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ አባ ሙሴ ዘርአይ ብምትሕብባር ትሰርሕ ሜሮን እስቲፋኖስ ካብ ሽወደን ብወገና እዚ ንዓና ኤርትራዊያን ብፍላይ ነቶም ድምጾም ዝተጸቕጠ ስደተኛታት ዓብይ ነገር'ዩ ኢላ።

ምሉእ ትሕዝኡ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊ አባ ሙሴ ዘርአይ ህጹይ ሽልማት ኖብል ሰላም ኮይኖም