ሓመድ ስዒድ ናውድ 'መንነትን ሓድነትን ኤርትራ ከኽብሩ ካብ ዝተንቀሳቐሱ ቐዳሞት ሰባት ሓደ`

Awate.com

ሓመድ ስዒድ ናውድ ኣብ ዳሕራዋይ 50`ታትን 60`ታትን ፡ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዓለምን ኣህዛብን ዝነበሮን ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዝረሓቐን ከምዝነበረ ክልተ ኣብ ዝተፈላለየ ፖሊቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ይሰማምዑ

ሓመድ ስዒድ ናውድ ኣብ ዳሕራዋይ 50`ታትን 60`ታትን ፡ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዓለምን ኣህዛብን ዝነበሮን ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዝረሓቐን ከምዝነበረ ክልተ ኣብ ዝተፈላለየ ፖሊቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ይሰማምዑ

ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዝነብር ኢብራሂም እድሪስ፡ ብዛዕባ ናውድ ክዛረብ ኸሎ፡ ካብ 1955 ክሳብ 1958 ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ኤርትራ እናተመላለሰ፡ ንሓድነትን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ምቅላሱ ኣብ 1958 ሓራካ(ማሕበር 7ተ) ከምዝመስረተ ይጠቅስ።

ናውድ ዝመስረቶ ማሕበር `ሓረከት ታሕሪር ኤርትርያ` ማለት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ዝብል`ምበር ማሕበር 7ተ ዝብል ከምዘይነበረ ዝገልጽ ኣብ ሳክራመንቶ ካሊፎርንያ ዝነብር ሳልሕ ቓዲ ጁሃር ብወገኑ፡ እቲ ማሕበር 7ተ ዝብል ኣጸዋውዓ ክመጽእ ዝጀመረ፡ እታ ማሕበር ካብ ሃድን ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንምኽዋል ብቢሾውዓተ ተወዲባ ትንቀሳቐስ ስለዝነበረት ኢዩ ይብል።

ከምዚኦም ዝበሉ ቐዳሞት መራሕቲ በብሓደ ኣብ ዝሓልፍሉ እዋን፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ብግቡእ`ዶ ኸምዝፈልጦም ይግበር ኣሎ ንዝብል ሕቶ ክምልሱ ኸለዉ፡ ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ፡ ብዛዕባ ናውድ እንተኾይኑ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 14 መጻሕፍቲ ብምጽሓፍ ሃገራዊ ኣበርክቶኡ እናፈጸመ ዝጸንሐን፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ብተሳትፎ ፕረዚደንት፡ ሙፍቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ብልዑል ክብሪ ዝተፋነወን`ዩ ይብል። ኣቶ ሳልሕ ቓዲ ግን በዚ ኣይሰማማዕን። ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ጠጠው ምባል ዘይኮነስ፡ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እናነበረ ኸሎ፡ ክንደይ ዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕብኡ ይፈልጥ ክብል ይሓትት።

ንምሉእ ቃለ-መጠይቕ ኣቶ ኢብራሂምን ኣቶ ሳልሕን ኣብ`ቲ ላዕላዋይ-የማን ዘሎ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል።