ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ: ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝምልከት ኣውፂአዮ ኣብ ልዕሊ ትብሎ ሓዲሽ ስትራቴጂ ይካትዑ

ኣቦ-መንበር ጥምረት ገለ ውድባት ኤርትራ ዝኾነ ኪዳን አቶ ተወልደ ገብረስላሰ ዝጊድ ውድብና ብዛዕባ'ቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ አቶ መለስ ዜናዊ ዝተገልፀ ኤርትራ ዝምልከት ሓዲሽ ስትራቴጂ ብቀጥታ ብወታሃደራዊ ሓትሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ኤርትራ ክቅይር'ዩ ዝብል ኣረዳድአ የብልናን ኢሎም።

ኣቶ ተወልደ ኣብዚ ዘረበኦም ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ርእሱ ንምክልኻል ብዝዓዘዘ ክሰርሕዩ ደንበ ተቃውሞ ነቲ ስርዓት ንምቅያር ንዝገብሮ'ውን ምድግጋፍ ከዕዝዞ'ዩ ዝብል ምርዳእ'ዩ ዘለና፡ ግን ብቀጥታ ብሓይሊ ንመንግስቲ ኤርትራ ምቅያር ዝብል ኣይንድግፎን ኢሎም።

አቶ ወልደየሱስ ዓማር ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ብወገኖም ኸአ እቲ ዝተባህለ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ንምቅያር ዘድሊ ኹሉ ክንጥቀም ኢና ዝብል ወታሃደራዊ ሓይሊ ዝሕውስ ምኻኑ ንፁር'ዩ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት'ውን ዘሰክፍ'ዩ ኢሎም።

ኣስዒቦም እዚ' ኸአ ንኽልቲኡ ኣህዛብ ኣይጠቅምን ዘላቂ ሰላም ከምዘየምፅእ'ውን ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ድሕሪ ምባል መንግስቲ ኤርትራ ናይ ምቅያር መስል ናይ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ክፍሊ'ቲ ቃለ-መጠይቅ ሎሚ ቀሪቡ'ሎ።

ካልአይ ክፍሊ ፅባሕ ክቀርብ'ዩ ተኸታተሉና።