ርክብ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት -- ንስራሕን ሌላን

Your browser doesn’t support HTML5

ሓሙስ 25 ሓምለ 2024  ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ኣስታት 400 መብዛሕትኦም ሞያውያን ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት ዝተኣኻኸቡሉ ናይ ምልላይን ርክባትን መደብ ተኣንጊዱ ኣምስዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኪንዮ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ፍልልያት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ንዘለዉ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ ወይ ድማ ድሒሮም ዝመጽኡ  ኤርትራውያን ዝጥርንፍ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ።