ናብ ጎንጺ ዝደፍአ ፈስቲቫል ኤርትራ እንታይ’ዩ? ብዓይኒ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ነበር

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝሰሓበ፡ ኣከራኻሪ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ጊሰን ጀርመን ተኻዪዱ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብቶም ነቲ ፈስቲቫል ዝቃወሙ ወገናት ብዝተደርበየ እምኒን ጠራሙስን 26 ኣባላት ፖሊስ ጀርመን ቆሲሎም’ዮም። ንምዃኑ ንኸምዚ ዝመስል ቍጠዐ ዝወለደ እንታይ’ዩ? እዚ ዝመስል ጎነጽ’ከ ኣብ ቀጻሊ ኣብተን ኣአንገድቲ ሃገራት እንታይ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሳዕቤናት ክህሉዎ ይኽእል?