ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ፊት ንፊት ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ብምስላፍ መርማሪ ኮሚሽን ንዝወፅኦ ፀብፃብ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ደጊፎም።
እቶም ሰለፈኛታት ንኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዶ/ር ዲላሚኒ ዙማ ኣብዘቕረቡዎ ደብዳቤ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንኽምርምር ብሕቡራት መንግስታት ዝተመስረተ መርማሪ ኮሚሽን ወግዓዊ ዝገበሮ ሪፖርት ዘለና ፅኑዕ ደገፍ ንምግላፅ ኣብዚ ተረኺብና ኣለና ኢሎም።
ፀብፃብ መርማሪ ኮሚሽን ብዙሓት ኤርትራዊያን ግዳያት ይኾንሉ ዘለው ብዝግባእ ዘቃልዕ እዩ ክብሉ ነቲ ሰልፊ ካብዘተሓባበሩ ኣባላት ኮሚቴ ሓደ ንወኪል ኣዶ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ብንባብ ኣስሚዖም።
ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኤርትራ ይፍፀም ዘሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምኹናንን ኣብ ኣፍሪካ ሰብኣዊ መሰላት ክረጋገፅን ሓላፍነተን ንክዋፅኣ ሓቲቶም ኣለው እቶም ሰልፈኛታት።
ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ይፈልሱ ኣብ ልዕሊ ዘለው ኤርትራዊያን ይፍፀም ኣሎ ዝበልዎ ስጉምቲ እውን ብፅኑዕ ዘተሓሳሰቦም ምዃኑ ኣብቲ ደብዳቤ ገሊፆም ኣለው።
ንኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዲላምኒ ዙማ ብምውካል ነቲ ደብዳቤ ካብቶም ሰልፈኛታት ዝተቐበሉ ወኪል ከምዝሓበሩዎ ዶ/ር ዙማ ብምኽንያት ስራሕ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ስለዝኾና ነቲ ደብዳበ ብኣካል ተረኺበን ክቕበሉኦ ከምዘይክኣ ገሊፆም ኣለው።እቲ ደብዳቤ ንዝምልከቶ ኣካል ኮሚሽን ከምዘብፅሑሎም ኣረጋጊፀምሎም።
ብኻሊእ ዜና ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ናይ ኤርትራዊያን መዕቖቢ ስደተኛታት ማለት እውን ኣብ ሕፃፅ፣ሽመልባ፣ዓዲሓሩሽን ማይ ዓይኒን ንናይቲ ኮሚሽን ፀብፃብ ብምድጋፍ ሎማዕንቲ ሓሙስ ሰልፊ ኣካይዶም።
ካብ መዕቖቢ ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዘዘራረብናዮም ወዲ 57 ዓመት ኣቶ ሙሉጌታ ወልደኣብ ኣሽሓት ኤርትራዊያን ዝተሳተፍሉ ሰልፊ ምክያዱ ገሊፆምልና ኣለው።
ካብ ኤርትራ ካብ ዝወፅኡ ሓደ ዓመት ከምዝገበሩ ዝሓበሩ ኣቶ ሙሉጌታ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ከምዘሕለፈ ይዛረብ።
ሃይለ ኣብርሃ ዝተብሃለ ወዲ 38 ዓመት ስደተኛ ብወገኑ ንመርማሪት ኮምሽን ሕቡራት መንግስታት ብምድጋፍ ከምዝወፀ ብምግላፅ ማሕበረሰብ ዓለም ሂቡና ብዘሎ ቆላሕታ ሕጉሳት ኢና ኢሉ’ሎ ኣቶ ሃይለ።
ንደሕንነት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ስድራይ ክብል ሽመይ ኣይትግለፁለይ ዝበለት ካልእቲ ወሃቢት ኣብ ማይ ዓይኒ ኣዕቒባ እትርከብ ስደተኛ እውን ተመሳሳሊ ሪኢቶ ሂባ’ላ።
ኢትዮጵያዊያን ተቓወምቲ ፓርቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከይነካይድ ንኽልከል ኣለና ከምዝብሉ ምግልፅ ኤርትራዊያን ብዛዕባ ዘካየድዎ ሰልፊ ዝተሓተቱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣድሲኣ ኣበባ መምህር ፍልስፍና ዝነበሩ ዶ/ር ዳኛቸው ኣሰፋ ኤርትራዊያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ኣብ ሃገርና ፀገም ኣሎ ክብሉ ከለው ከምዝድግፉ ገሊፆም።
ይኹን እምበር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወይ ካሊእ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ናይ ኢትዮጵያ ፀብፃብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ከውፅእ ከሎ ከምዜጋታት ንኢትዮጵያ ዝነቅፍ ፀብፃብ ንድግፍ ኢና ኢልና ሰላማዊ ሰልፊ ንወፅእ እንተድኣ ፈቲና ኣይንኽእልን ኢና፣ኣብ ክንድኡ ዝፅበየና በትሪ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፓርቲ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሰላማዊ ሰልፊ ከየካይድ ዝተኸልከለላ ሃገር እያ ኢሎም ዶ/ር ዳኛቸው። ንሶም ብዘይካዚ ዝፈተኑ ፓርትታት እውን ተቐጢቂጦም ናብ ሆስፒታል እዮም ኣቲዮም ኢሎም ።
Your browser doesn’t support HTML5