ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ እዚ ማእከል አስታት 36 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ዝተፈላልዩ ሃገራት ኣብ እስራኤል ይነብሩ። መብዛሕትኦም ሓተቲ ዑቕባ ብመንግስቲ እስራኤል ከም ስደተኛታት ኣፍልጦ ዘይረኸቡ እዮም።
እዚ ማእከል ኣብ ሕዳር 2011 ዓ.ም ብብዝሒ ኤርትራዊያን ንምድረ በዳ ሲናይ ብምቁራጽ ናብ ዶባት እስራኤል ምእታዎም ኣብዚ ሓደገኛን አስቃቂ ጉዕዞን ድማ ብዙሓት ግዳያት ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ብምዃኖምን ኣብ እስራኤል ኣብ ዝበጽሕሉ ጊዜ’ውን ኣብ ሃገረ እስራኤል ምስ ዘሎ ኩነታት ኣትሓሕዛ ስደተኛታት ዝተፈላለየ ኣካላዊን ስነ ኣእምሮኣዊም ጸገማት ከጋጥም ምስጀመረ ንሓድሕድ ንምድግጋፍ ብዝብል ዝተመስረተ ትካል ምዃኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳይሬክተር እቲ ማእከል ሄለን ኪዳነ ትሕብር።
ድሒሩ እቲ ማእከል ተወሳኺ ነቲ ስደተኛ ማህበረሰብ አድላይ ዝበሎም አገልግሎት ክህብ ጀሚሩ። እቲ ማእከል ካብ ዝህቦም ስልጠና ናይ ቋንቋ ሄብሩን እንግሊዝን ትምህርቲ፡ ናይ ኮምፒተር ስልጠና፡ ናይ ስነ ጽባቐ ትምህርቲ ብተወሳኺ ንሓገዝ ዘድልዮም ኣዴታት ንዋታዊ ሓገዝ በጠቕላላ ድማ ኣብ ምዝርጋሕ ሓበሬታ ይነጥፍ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ማእከል ብዳይሬክተር ሄለን ኪዳነን ኣሜሪካዊት ኣንድርያ ጋግነ ማናጀር ፋይናስን ምትእክኻብ ሓገዝ ካልኦት ሰለስተ ወለንተኛታትን ዝኻየድ ኾይኑ በብእዋኑ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም ብናይ ኢንተርንሽፕ ወይም ከም አካል ትምህርቶም ዝኾነ ኣገልግሎት ወይ ምልውዋጥ ልምዲ ዝህቡ ተማሃሮ ከምዝካየድ ዳይሬክተር እቲ ማእከል ሄለን ኪዳነ ትገልጽ።ንሳ ብተወሳኺ ኣብ ንጥፈታት ትርጉም ዝሳተፉ ኣባላት እቲ ማእከል ከምዘለዉን ትገልጽ።
እቲ ማእከል ኤርትራዊያን ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ቴል ኣቪቭ ከምቲ ዝድለይ ዘይሰጎመሉ ብድሆታት ዝበዝሓ ብሰንኺ ካብ ፖሊሲ መንግስቲ እስራኤል ዘጋጥም ቐይድታት ምዃኑን’ውን ዳይሬክተር ሄለን ተረድእ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5