ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ንብዩኔስኮ ዝተወደበ ሽልማት ዓለማዊ ሓርነት ፕረስ ናይ ዓመተ 2017 ክቕበል ተረቚሑ

  • ዜና ቪኦኤ

ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ይስሓቕ ሓደ ካብ መስረት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት ክኸውን እንከሎ፤ ኣብ 2001 ኣብ ኤርትራ ምስ ምእሳር ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ከምዝተኣስረን ፡ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ከምዘይፍለጥ ንሽልማት ዳዊት ይስሓቕ ኣብ ዝዘርግሐ ጸብጻብ ዩኒስኮ ተገሊጹ ይርከብ። እቲ ጸብጻብ ንመወዳእታ ግዜ ብዛዕባ ሃለዋት ዳዊት ይስሓቕ ዝተገልጸ ኣብ 2005 ዓ.ም ምዃኑ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ዳዊት ይስሓቕ ሽልማት ዓለማዊ ሓርነት ፕረስ ክቕበል ዝተወሰነ ኣብ ዓውዲ ማዕከናት ዜና ብዝነጥፉ ሻራ ዘይብሎም ኣህጉራውያን መመይቲ ናይ ሓባር ድምጺ ብዝወሰንዎ ውሳነዩ። እቲ ሽልማት ፡ ሽልማት ዩኒስኮን ጁልየርሞ ካኖን ተባሂሉዩ ዝጽዋዕ።

ዳይረክተር ጀነራል ዩነስኮ ኢሪና ቦኮቫ ነዚ ኣመልኪታ ዳዊት ይስሓቕ ክሽለም ዝበቕዓሉ ብዘርኣዮ ትብዓትን ጽኑዕ መርገጺ ኣብ ሓሳባትካ ብሓርነት ምግላጽን ዝብልሉ መምዘኒ ዘማልአ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ምዃኑ ገሊጻ።

ንሳ ብተወሳኺ ንመሰረታዊ ሓርነታት ንምጥባቕ ትብዓትን ተወፋይነትን ከምዘድሊ ብምሕባር: እዚ ድማ ካብ ብሉጽ ክብርታት ጁለርሞ ካኖ ምዃኑ ተረድእ። ከምኡ ብምዃኑ ንዳዊት ይስሓቕ ነዚ ሽልማት’ዚ ብምሃብ መልእኽቲ ከነመሓላልፍን ኣበርክቶኡ ከነጉልሕን ስለዝደለናዩ ትብል።

ፕረዚደንት ናይ ኣህጉራዊ መመይቲ ሽልማት ዩኒስኮን ጁለርሞ ካኖን ዝኾነ ሲላ ቦንኮ ብወገኖም ዳዊት ይስሓቕ ነዚ ሽልማት ምርቁሑ ምስ ነዊሕ ዝርዝር ኣስማት ንሓቂ ዝቖሙ ተባዓት ጋዜጠኛታት ከምዝጽንብሮ ይገልጽ። ሓቂ ንምድላይ ገሊኦም ህይወቶም ዝኸፈሉ እዮም: ካልኦት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ክኾኑ ከለው: ዳዊት ይስሓቕ ንኣስታት 16 ዓመታት ብዘይ ክስን መስርሕ ፍርዲን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ይርከብ። ነዚ ሽልማት ብምሃብ ድማ ዳዊት ይስሓቕ ይፈታሕ ንብል ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ንብዩኔስኮ ዝተወደበ ሽልማት ዓለማዊ ሓርነት ፕረስ ናይ ዓመተ 2017 ክቕበል ተረቚሑ

ተዓወቲ ሽልማት ዩኒስኮን ጁለርሞ ካኖን ዝኾኑ ጋዜጠኛታት 25 ሽሕ ዶላር ይቕበሉ ። እዚ ሽልማት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝጽንበል ኣህጉራዊ መዓልቲ ሓርነት ፕረስ ዝወሃብዩ።