ዕላል ምስ ኤርትራዊ ደራስን ኣላዩንን ድራማን ፊልምን - መምህር ጠዓመ ኣረፋይነ

Your browser doesn’t support HTML5

ዕላል ምስ ኤርትራዊ ደራስን ኣላዩንን ድራማን ፊልምን - መምህር ጠዓመ ኣረፋይነ

ኣይንፈላለ፡. ሕድሪ፡ ብርኩታን ካልእን ሓዊስካ ትሸዓተ ናይ መድረክ ድራማታትን፡ ምቁር መርዚ፡ መንገኛ፡ ስንክሳር ዝብሉ ዝርከብዎም 14 ፊልምታታን ንህዝቢ ዘቕረበን ካብዚኦም ን20 ዝደረሰን ዝኣለየን ስነ-ጥበበኛ እዩ።

መምህር ጠዓመ ንከም በዓል ኤልሳ ኪዳነ፡ ሳልሕ ኢብራሂምን ሰምሃር እስቲፋኖስን ዝርከብዎም ን12 ዓበይትን ነኣሽቱን ድምጻውያን 20 ናይ ደርፊ ግጥምታት ዝደረሰን፡ ንነፍሲሄር የማነ ባርያ፡ ኤልሳ ኪዳነን ንካልኦት 16 ድምጻውያንን 35 ናይ ቪድዮ ክሊፕ ዘዳለወ ስነ ጥበበኛ እዩ።

ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ድማ ናብ ሓድሽ ዓውዲ ስነ ጥበብ “ሲት ኮም” (ኩነታዊ ድራማ) ብምስጋር ኣብ ተለቪዥንን ዩ-ትዩብንን ዝፍነው ስርሓት ኣብ ምፍራይ ዝርከብ ስነ-ጥበበኛ እዩ።