ሽሻይ ሓይለኣብ -- ኣተኵሮ ኣብ ባህላዊ ሓድግታትን ውርሻን

Your browser doesn’t support HTML5

ሽሻይ ሓይለኣብ ኣብ ምጽናዕን ምስራሕን ባህላዊ ፊልምታት ኣተኵሩ ዝነጥፍ ዘሎ ስነ-ጥበበኛ’ዩ። ካብ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ ቀይሕ ብዓውዲ ቋንቋታትን ስነ- ጽሑፍን ኤርትራ ቀዳማይ ዲግሪ ዝረኸበ ሽሻይ፡ እቲ ዝዓበየሉ ከባቢን ዝሓለፎ ሂወትን ኣብ ባህሊ ብሓፈሻ ኣብ ኣፋዊ ያታ ከኣ ብፍላይ ጸቒጡ ንኽርሕ  ጽልዋ ከም ዝገበረሉን ድሒሩ ብዝግበሮ መጽናዕታት ድማ ንድሌቱ ከም ዘራጎዶን ይገልጽ።