ናብ ኤርትራ መሐከሚ ካንሰር ዝኸውን ዘመናዊ መሳርሕታት ንምእታው ዝካየድ ንጥፈታት

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ናብ ኤርትራ መሐከሚ ካንሰር ዝኸውን ዘመናዊ መሳርሕታት ንምእታው ዝካየድ ንጥፈታት

ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ናብ ኤርትራ መሐከሚ ካንሰር ዝኸውን ዘመናዊ መሳርሕታት ንምእታው ጽዑቕ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ንጥፈታት የካይዱ'ለዉ።

27 ጥሪ 2024 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ መደብ ኣብ ሓደ ምሸት ኣስታት 110 ሺሕ ዶላር ኣታዊ ምግባሩ ተጠቒሱ'ሎ።

እቲ ብደረጃ ኣመሪካ ዝካየድ ጎስጎስ፥ ዕላምኡ ካብ 6 ክሳብ 10 ሚልየን ዶላር ንምእካብ ኮይኑ፡ ዛጊት ኣስታት 3 ሚልየን ዶላር ከም ዝተኣከበ ኣተሓባበርቲ'ቲ ፕሮጀክት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።