ክልተ ኣሓት ወነንቲ ኩባንያ 'ክራር'

Your browser doesn’t support HTML5

ራሄል ዮሃንስን ሩት ዮሃንስን ናይ ባዕለን መኣዲ ስራሕ ብምፍጣር ኣብዚ እዋን ኣከፋፈልቲ ቡን: ቆጽሊ ሻሂን ቀመማት ሻሂ ዝኣመሰሉን ኮይነን ይሰርሓ'ለዋ። ብፍላይ ዋሽንግተን ዲሲ መደበረን ክኸውን ዝመረጻሉ ምኽንያት ዲሲ ብፍላይ ናይ ባዕለን ስራሕ ክፈጥራ ንዝደልያ ውሑዳን ጸለምቲ ደቀንስትዮ ደገፍን ልቃሕን ገንዘብ ብምሃብ ዘተባብዕ ብምኻኑ ከምዝኾነ ሓቢረን። ራሄል ዮሃንስን ሩት ዮሃንስን ብዛዕባ ተመኩረንን ስርሐንን ኣዘራሪብናየን ኣለና።