ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ተዓዋቲት ወ/ት ኣፍሪካ ዩ.ኤስ.ኤ ንሚስ ዩኒቨርስ ትወዳደር

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ተዓዋቲት ወ/ት ኣፍሪካ ዩ.ኤስ.ኤ ንሚስ ዩኒቨርስ ትወዳደር

ኣብ 2023 ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዩ.ኤስ.ኤ ኮይና ዝተዓወተት ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ስኒት ሃብተኣብ ተወልደመድህን፥ ሎሚ 'ውን ንኤርትራ ወኪላ ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ምዃኑ ዝፍለጥ ውድድር ስነ-ጽባቐ ሚስ ዩኒቨርስ ክትወዳደር ኣብ መስርሕ ምጽራይ ትርከብ ኣላ።

ስኒት ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ኤርትራውያን ኣብ ዛዛሚ መድረኽ ዝበጽሐት ክትከውን ከላ፡ ካብ መንጎአን ዝተዓወተት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ኣብ መክሲኮ ኣብ ዝካየድ 130 ሃገራት ዝሳተፋሉ ንሚስ ዩኒቨርስ ንምምራጽ ዝግበር ውድድር ክትሳተፍ'ያ።

ስኒት እንተተዓዊተ: ዓወተይ ንምክልኻል ሕማም ካንሰርን ምሕብሓብ ዳውን ስንድሮም ዘለዎም ቆልዑትን ከውዕሎ'የ ትብል።