ስምረት ርእሶም -- ኣደን በዓልቲ ሞያ ምህናጽ ኣካላትን

Your browser doesn’t support HTML5

ስምረት ርእሶም -- ኣደን በዓልቲ ሞያ ምህናጽ ኣካላትን

ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ስምረት ርእሶም ኣብቲ ብብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ዘይረኣያሉ ዓውዲ ስፖርት ህንጸት ኣካላት ትነጥፍ።

ስምረት በዚ ሞያ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ተወዳዲራ ዝተዓወተት ክትከውን ከላ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ነቲ ሞያ ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ንምክፋል፡ ምምሃርን ምስልጣንን ትርከብ።

ስምረት ኣብ 2017 ዘጋጠመ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ብምስጋር'ያ ኣብዚ ሞያ ትነጥፍ ዘላ። ኣደ ሓንቲ ቆልዓን በዓልቲ ሓዳርን ዝኾነት ስምረት፡ ድርብ ሓጹር ሰጊራ'ያ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ሞያ ትነጥፍ ዘላ።

ነዚ ዝውትር ዘይኮነ ስፖርት ብኸመይ ከምተጸንበረቶ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተካይዶ ዘላ ንጥፈታትን ተመኵሮኣን ብዝምልከት ኣዘራሪብና'ያ ኣለና።