`ካብ እስራኤል ብፍቓዱ ናብ ዓዱ ክምለስ ዝደሊ ኤርተራዊ መን ኢኻ ዝብሎ የለን` ኣምባሳደር ተስፋማርያም ተኸስተ

Ambassador Tesfamariam Tekeste

"ኣብ ርእሶም ዝመጾም ምጽሓፍ፡ ንተኣማንነቶም ዘትሕት`ዩ"

ሁማን ራይትስ ዋች ዝተባህለ ተሓላቒ መሰል፡ ነቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፡ መንግስቲ እስራኤል ናብ ዓዶም እንተመለስዎም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃዲምኩም ተባሂሎም ክእሰሩ`ዮም ኢሉ ኔሩ።

ብዛዕባ`ዚ ምላሽ ዝተሓተተ ኣብ ተል-ኣቪቭ ኣምባሳደር ኤርትራ ተስፋማርያም ተከስተ "ኢዶም ዝሃቦም ምሕንጣጥ፡ ኣብ ርእሶም ዝመጾም ምጽሓፍ፡ ንተኣማንነቶም ዘትሕት`ዩ፡ ካበይ ዘምጽእዎ ሓበረታ`ዩ" ብምባል ምስ ተመልሱ ዝትንክፎም የለን ኢሉ።

ምስኡ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

Your browser doesn’t support HTML5

Eritrean Ambassador to Israel