ኣብ ኤርትራ ኣህጉራዊ ዋዕላ መንእሰያት ተኸፊቱ

Asmara-International-Youth-conference

እቲ ካብ 5ተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝምጹን፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያትን ዝሳተፍሉ ዘለዉ ዋዕላ ኣብ ሰላም፡ ጸጥታን፡ ቀጻሊ ምዕባለን ከምዝዝቲ ኣሰናዳእቱ ይገልጹ

ቀንዲ ቴማ ናይቲ ትማሊ ረቡዕ 21 ሓምለ 2010 ዝተኸፍተ ዋዕላ፡ ንሰላም፡ ጸጥታን ቀጻሊ ምዕባለን ሃገራት ኣብ ዝምልከት ጉዳያት፡ ኣብ መንጎ መንእሰያት ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ሓባር መረዳእታ ንምፍጣር ከምዝኾነ፡ ኣብ መኽፈቲ`ቲ ውዕላ ተገሊጹ`ሎ። ኣደ መንበር ናይቲ ኣሰናዳኢ ኮሚተ ዝኾነት ው/ት ራሄል ወልደኣብ፡ መንእሰያት ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሰላምን ምዕባለን ኣብ ምስፋን ዝለዓለ ተራ ኸምዝጻወቱ ገሊጻ።

ኣብቲ ክሳብ ዓርቢ ዝቕጽል ዋዕላ፡ 9ተ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ይቐርቡ ኣለዉ። ኣብ`ቲ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተኸፍተ ዋዕላ፡ ካብ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ሱዳን፡ ዚምባብወን ሶማሊያን ዝመጹ መንእሰያት ይሳተፉ`ለዉ።

ንምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ሰናይት ሃብቱ፡ ኣብ`ቲ ምልክት ድምጺ ጠውቑ